ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ
ዝቐረቡ ሕቶታት
ሃዋርያ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ምእታዉ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ?
ክብሪ ናይ እዚ ሕጂ ተገሊጹ ዘሎ ምስጢር ማዕረ ኽንደይ እዩ ትብል?
ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ዕዮ ዓይዩ ትብል?
ቅድም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና ዝተገልጸ ምስጢር እንታይ እዩ?
መልሲ ጉጅለ 1
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ምእታዉ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፡ እትብል ሕቶ፡ እታ ሕቶ ንድሕሪት ተመሊሳ ንጠንቂ ትሓትት እንተልያ፡ ወይ ንቕድሚት ኣማዕድያ፡ ውጽኢት ትሓትት እንተላ፡ ብርህቲ ኰይና ኣይረኸብናያን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ዘእተዎ ጠንቂ ይሕተት እንተልዩ፡ ከምቲ ንሰብ ፊሊጲ “እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ” ዝበሎም እዩ (ፊሊ1.13)። ኣብ መእተዊ መጽሓፍ ቆለሴ ተገሊጹ ከም ዘሎ፣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈሎሴ ብኣካል ኣይፈልጦምን እዩ። እቲ ማእሰርቱ ብክርስቶስ ምዃኑ ግና፡ ከምቲ፣ ”ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ” ዝበሎ፡ ማሕበር ቈሎሴ’ውን ስጋ ክርስቶስ ስለ ዝዀነት እዩ።
እታ ሕቶ ንቕድሚት ኣማዕድያ፡ ውጽኢት ትሓትት እንተላ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ምእታዉ፡ ሰብ ቈሎሴ፡ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈረዩ፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩ፡ ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከብሉ ንእኡ ብቝዓት ኰይኖም ክመላለሱ፡ እቲ ማእሰርቱን ጸበባኡን፡ ኣብነት ኰይንዎም እዩ ክንብል ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ፊሊጲ ” ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ” ዝበሎ ማለት’ዩ፡ (ፊሊ1.14)።
2. ክብሪ ናይ እዚ ሕጂ ተገሊጹ ዘሎ ምስጢር ማዕረ ኽንደይ እዩ ትብል? እቲ እተገልጸ ምስጢር፡ ”ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ” ዝብል’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ”መላእኽቲ ናብኡ ክጥምቱ ይብህጉ’ዮም” ብምባል ጸሓፈ (1ጴጥ1.12)። እዚ ተስፋ እዚ፡ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነግረ፡ ጐይታ ክውለድ ከሎ ድማ፡ እቲ ንጓሶት ዘበሰረ መልኣኽ ”ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ” በለ፡ (ሉቃ2.10-11)። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈሎሴ፡ ”ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል” ብምባል ገለጸሎም።
3. ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ዕዮ ዓይዩ ትብል? ካብዛ ዝተዋህበትና ክፍሊ ጥራይ ክንምልስ እንተዀይኑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ መጋቢነት ወንጌል ኣምላኽ ተቐበለ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌሩ ንኸቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓደ፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃረ ክነግር ኣኽኢልዎ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ’ውን ካብ ምፍራይ ኣየቋረጸን። ብሓፈሻኡ እንተዀይኑ ግና፡ ወንጌል ማለት፡ “ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን” ማለት ስለ ዝዀነ፡ ሓደ’ኳ ብክርስቶስ እንተልዩ ድማ፡ እቲ ብክርስቶስ ዘሎ ዘበለ፡ ሓድሽ ፍጥረት ስለ ዝኸውን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፡ ከምኡ ብወንጌል ሓድሽ ህይወት ሒዙ፡ ነታ ዘሳድዳ ዝነበረ እምነትሲ፡ ዋና ሰባኺኣን ተጣባቒኣን ክሳዕ ዝኸውን፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጳውሎስ ክዓዪ ከሎ።
4. እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር ሃብቲ ኽብሩ፡ ”ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ” ብዝብል ምላሽ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ። ”ክርስቶስ ኣባኻትኩም” ማለት፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ’ኣማኑኤል’፡ እዚ ማለት ከኣ ኣምላኽ ምሳና ማለት’ዩ (ማቴ1.23)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ብዛዕባ ጐይታ ክሕብሮም ከሎ፡ ” ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ምዃኑ ጠቐሰሎም (ቈሎ1.15)። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ” ከም ዝብሎ ግና፡ (ዮሃንስ 1:18)፡ እንሆ እቲ ካብ ዘልኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ግና፡ ንዓና እተገልጸ፡ ብቓላት ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ”ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና” (ዮሃ1.14)።
መልሲ ጉጅለ 2
1. ሃዋርያ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ምእታዉ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ክልተ ሓሳባት ክንርኢ ንኽእል ኢና፦
ቀዳማይ፡ ጸበባ ሃዋርያ ጳውሎስ፦ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነዚ መልእኽቲ እዚ ክጽሕፎ ከሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሮሜ ኰይኑ እዩ። እዚ ጸበባ እዚ ዝረኸቦ ድማ፡ ወንጌል ንኣህዛብ ብምስባኹ እዩ። ካልኣይ፡ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ ንምምላእ እዩ። መከራ ክርስቶስ ጐደሎ እዩ ማለት ዘይኮነስ፡ እታ ማሕበር ንኽትውለድን ምስተወልደት ከኣ ብምልኣት ንኽትርከብን ግና ኣብ ርእሲ መከራ ክርስቶስ፡ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስን ናይቶም ካልኦት ልኡኻት ናይ ወንጌል መከራ ክውሰኾ ኣሎዎ ንምባል እዩ። እቶም እግዚኣብሄር ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝመደቦም ብዘሓት ኣሕዋት ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ብሓንቲ መዓልቲ እዬም ተወሊዶም እዚ ድማ ከምታ ፍረ ስርናይ ምስ ሞተት እተን ብዙሓት ስርናያት ብሓንቲ መዓልቲ ዝወለዳ ምእንቲ፣ እዚ ድማ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ጸገበ። ግናኸ እቶም ብትንሳኤ ክርስቶስ ዝተወለዱ ኩሎም ግን ጌና ኣይተረኸቡን። ሕጂውን ብዘሓት ኣባላት ናይታ ማሕበር ኣብ ዓለም ኣለው። እቶም ዝተወልዱ ብዙሓት ኣሕዋት ኩሎም ኣይተረኸቡን ፡ ስለዚ ድማ እታ ማሕበር ምልእቲ ኣይኮነትን ዘላ። ነዚኦም ንምርካብ ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘመኑ ንሕና`ውን ኣብዚ ዘመን መከራ ክንጸግብ ይግብኣና። ኤፌ 5፡19-ፍጻሜ።
2. ክብሪ ናይ እዚ ሕጂ ተገሊጹ ዘሎ ምስጢር ማዕረ ኽንደይ እዩ ትብል፧ እቲ ምስጢር ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ቆሎ 1፡26-27 ዝገለጸልና ግና፡ ንዘመናት ምሉእ ተሰዊሩ ከም ዝነበረ እዩ። እቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር፡ ኣህዛብ ማዕረ ኣይሁድ መሰል ከም ዘለዎም እዩ።
3. ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ዕዮ ዓይዩ ትብል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ መጀመርያ ዘሳድድ ዝነበረ ሰብ እዩ፡ ካብ ተጻራርን ኣሳዳድን ምዃን ናብ ሰዓብን ሰባኺ ወንጌልን ከም ዝተቐየረ ኣብ ግብ 9 የብርሃልና። ሰዓብን ሰባኽን ወንጌል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሃዋርያ ንምዃን ዝተጸውዐ እውን እዩ።
4. ቅድም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና ዝተገልጸ ነገር እንታይ እዩ፧ ኣህዛብ፡ ብወንጌል ክርስቶስ መዋርስቲ፡ መማቕልቲ ሓደ ስጋ ከም ዝዀኑ እዩ። ኣብ ሮሜ 16፡25 ከም ዝነግረና ‘’ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስ ብምግሃድ እቲ ካብ ዘልኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር ....” ይብሎ።
መልሲ ጉጅለ 3
1፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ምእታዉ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ? ንዝብል፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ቤተ ክርስትያን ቈሎሴ፥ ምእንቲ ክድሕኑ ኢሉ ዝገብሮ ዘይትኣደነ ጻዕሪ ንምምልካት እዩ። ንሰብ ቈሎሴ፥ ብኣካል ኣይፈልጦምን እዩ፥ ስለዚ ከም ናይ ኣህዛብ ሃዋርያ መጠን፥ ከምቲ ጐይታ መከራ ከም ዝጸግብ ዝሓበሮ ምእንትኦም፥ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ብጸሎትን ልማኖን፥ ብደብዳቤ መልእኽቱ ብምስዳድን፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ፡ መከራ ጸገበ። ኣብ ቈሎሴ 2:1 “ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ” ከም ዝብሎ፥ ኣብ ሮሜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፥ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ምጽዓሩ የርኢ።
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምእንቲ ክርስቶስ መከራ ክጸግብ፡ ንሰብ ቈሎሴ ብጸጋ ከም ዝተዋህቦም ይገልጽ (ፊልጲ 1:29-30)። ከም መተዓይይቲ ኣምላኽ፥ ንምህናጽ ኣካል ክርስቶስ፡ ማለት ንምህናጽ ቤተ ክርስትያን፥ ኣህዛብ ምእንቲ ክድሕኑ፥ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስቶስ ኢሉ ብምስቓዩ፥ በዚ ጎዶሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ ኣለኹ ይብል። እቲ ብክርስቶስ ዝተገብረ ምድሓንና፡ ጎደሎ ሃልይዎ ዘይኰነስ፥ ግናኸ ከምቲ ኣብ ሮሜ 8:17 ... “ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡ’ውን ክንከብር ኢና” ዝብል፥ ብስራት ወንጌል ኣብ ኩሉ ንኽበጽሕ፡ እቲ ዝገጠሞ መከራ ንምሕባር እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንወንጌል ክብል፡ ማእሰርቲ፥ ማህረምቲ፥ ጥሜትን ጽምእን፥ ድቃስ ምስኣንን ካልኦት ሓደጋታትን ከም ዘጋጠሞ፡ ኣብ 2 ቆረ 11፥23-28 ይገልጽ።
2. ንኽብሪ ናይዚ ዝተገልጸ ምስጢር፥ ዝመዓራረዮ የለን፥ ሮሜ 8:18-19፤ ... “ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። ኣዝዩ ዘደንቕን ብኣእምሮ ሰብ ዘይግለጽን ክብሪ እዩ ዘሎዎ። ጸላእቱ ዝነበርና፡ ብሞት ወዱ ተዓሪቑ፡ ውሉዱ ገበረና። ካብ ጸልማት ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ኣእተወና፥ ካብ ሞት ኣድሒኑ ናብ ህይወት ኣሰጋገረና፥ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፡ ሓደሽቲ ፍጥረት ገበረና፥ ርሑቓት ዝነበርና፡ ቤተ መቕደሱ ብምግባር፥ ብክርስቶስ ዓወት ኣልቢሱና. . . ክንበጽሖ ዘይንኽእል፥ ኣዝዩ ዓቢ ምስጢር እዩ።
3. ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ: ኣብ ኵሉ ናይ ወንጌል ምስባኽ ኣገልግሎቱ፥ ጉያኡ ብዓወት ንኽፍጽም፡ እቲ ኣብኡ ዝተገልጸ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣኽኢልዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ፊሊጲ 4፥13 “በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንኹሉ እኽእሎ እየ” ከም ዝበሎ፥ ብመንፈስ ኣምላኽ፡ ተኣምራትን ምግላጽ ቃል ኣምላኽን፡ ሓይልን ጥበብን ተዋሂቡ፥ (2ይ ቆረ 4:7)። እቲ ኣብኡ ዝተጋህደ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ካብ ኣሳዳዲ ናብ ሰባኺ ለዊጥዎ፥ ከምቲ ኣብ ገላ 2:20፤ “ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ” ዝበሎ፡ ህይወቱ ንክርስቶስ ብምንባር፥ ንስቓይ ብሓጐስ ክጸውር፥ ክሳብ ሞት’ውን ድሉው ኰይኑ ናብ ክርስቶስ ክፋኖ ሃረር ከም ዝብል፡ ፍቕሩ ንክርስቶስ ገሊጹ(ፊሊጲ 1፥21-23)።
4. እቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር፥ ኩሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ምንባሩን ኣብኡ ምህላውን እዩ (ቈሎሴ 1፥26-27, 2፥2-3)። ከምቲ ኣብ ሮሜ 16፥25-26 ኣምላኽ ብእምነት ንኹሎም ኣህዛብ ከም ዘድሕኖም ዝተገልጸ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ዘጽድቐሉ ጥበቡ፡ እዚ ምስጢር እዚ (1ይ ቆረ 2:6-7)። ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ፡ ኩሎም ንክርስቶስ ብምፍላጥ፡ ብክርስቶስ ሓደ ኣካል ኰይኖም ከም ዝድሕኑ፥ ዝገልጽ ምስጢር ድማ እዩ፡ (ኤፈ 3፥2-6)። እዚ ምስጢር እዚ፡ ምግላጽ ጸጋ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን እዩ(1 ጴጥ 1፥10-12)።
መልሲ ጉጅለ 4
1. ሃዋርያ ጳውሎስ ንስለ ማሕበር ቈላስይስ ኪብል ኣብ ጸበባ ምእታዉ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ ንዝብል ሕቶ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ንዅሉ ሰብ ብምክፋሉ፡ ንዅሉ ሰብ ምኽንያት ድሕነት ከም ዚዀነን፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ብክርስቶስ ማዕረ ምዃኖም ስለ ዝመሃረን እዩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ። እቲ ኣብ ጸበባ ምእታዉ ድማ፡ ኣመንቲ ቈሎሴ ኣብ እምነቶም ድልዱላት ኮይኖም ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ከይታለሉ ብምሕላይ እዩ።
2. ክብሪ ናይዚ ሕጂ ተገሊጹ ዘሎ ምስጢር ባዕሉ “ክርስቶስ ኣባና” ኢዩ፡ እዚ ኽብሪ እዚ ዘለአለማውን ዘይድረትን ኰይኑ፡ ውሉድ ምዃንና፡ ምድሓንና፡ ናብ ርስቲ ግደ ቅዱሳን ምብቃዕናን ወዘተ የጠቓልል። እዚ ምስጢር እዚ መላእኽቲ እኳ ክርእይዎ ሃረር ክሳዕ ዚብሉ ዓብዪ ኢዩ። (1ጴጥ 1:12)
3. ሓይሊ ኣምላኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ክፍጽም፣ መከራ ክጻወር ፣ ወንጌል ኣድማዒ ብዝዀነ መንገዲ ክሰብኽን ኣደልዲልዎ ኢዩ። ሽሕኳ ጳውሎስ ብዙሕ ጽዒሩን ተቓሊሱን እንተዀነ፣ እቲ ኣብኡ ዝሰርሕ ግን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። (ቈሎሴ 1፡29)። እዚ ሓይሊ እዚ ኣህዛብ ምእንቲ ብእምነት ክዓብዩ፡ ንክርስቶስ ክእውጅ፡ ከጠንቅቕን፡ ንኹሉ ብጥበብ ክምህርን ኣኽኢልዎ ኢዩ፡ (ቈሎሴ 1፡28)።
4. እቲ ሕቡእ ምስጢር፡ ክርስቶስ ኣባና ምንባሩን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ምውሃብናን እዩ። ከምኡውን ድሕነት ንኩሉ ሰብ፡ ማለት ንኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣህዛብ ምዃኑውን እቲ ቕድም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና ዝተገልጸ ነገር ኢዩ።
ወስብሓት ለእግዚኣብሄር