ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

ዝቐረበ ሕቶ

ብመሰረት መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ ምዕራፍ 1፣15-23፡ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ሓጺር መልሲ ኣዳልዉ።

  1. ንልዕልናን ምልኣትን ክርስቶስ ከመይ ትገልጾ?

  2. ክርስቶስ ምስ ፍጡራቱ ዘሎዎ ዝምድና ከመይ ትገልጾ?

  3. በዅሪ ካብ ምውታት እዩ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ?

  4. ኣብ ሰማይ ኪብል ከሎ ንመን ዚምልከት ዕርቂ እዩ ትብል?

  5. ብወንጌል ምስራት፡ ምድልዳልን ምጽናዕን፡ ኣብ ክርስትና ዘሎዎ ኣገዳስነት ከመይ ትገልጾ?

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

  1. ናይ ክርስቶስ ልዕልና ማለት ፈጣሪን ጐይታን ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይነግስ ማለት እዩ። ኣብ ሰማይን ምድርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ስልጣን ኣሎዎ፡ (ቈሎሴ 1፡15-18)። ምልኣት ክርስቶስ ማለት ከኣ፡ ንሱ ንኹሉ ባህርያት ኣምላኽ ዘጠቓልል እዩ ማለት’ዩ (ቈሎሴ 1፡19, 2፡9)። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምልኣት፡ እዚ ማለት ከኣ መለኮትን ኵሉ መንፈሳዊ ስልጣንን ኣብ ክርስቶስ ይሓድር። ንድሕነትን ጥበብን መንፈሳዊ ህይወትን ዘድሊ ኵሉ፡ ኣብኡ ይርከብ፣ እዚ ድማ ምሉእን ንዅሉ እኹል ዝዀነን መድሓኒ ይገብሮ።

  2. ኣብ ቈሎሴ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ፍጡራቱን ዘሎ ዝምድና ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፤

    • ፈጣሪ – ክርስቶስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኩሉ ዝርአን ዘይርአን ፈጢርዎ (ቈሎሴ 1፡16)።

    • ዓቃቢ – ንኹሉ ፍጥረት ብሓንሳብ ይሕዞን ይቕጽሎን (ቈሎሴ 1፡17)።

    • ተበጃዊ – ብደሙ ንኹሉ ምስ እግዚኣብሔር ይዓርቕ (ቈሎሴ 1፡20)።

    • ጐይታን ርእስን – ንሱ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ልዕልና ኣሎዎ (ቈሎሴ 1፡18)።

  3. በዅሪ ትንሳኤ ማለት

  • ሀ. ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ብዓይነቱ ቀዳማይ ኢዩ – ካልኦት፡ ከም ብዓል ኣልኣዛር ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኦም፡ ከም ብሓድሽ ሞይቶም ኢዮም። ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ግና ፍሉይ እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ ዳግማይ ሞት ናብ ዘይብሉ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ስለ ዝተንስአ።

  • ለ. ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሞት– ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣጠቓቕማ "በዅሪ" ዝብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ስርዓት ልደት ጥራይ ዘይኮነስ ቀዳምነት፡ መዓርግ ወይ ልዕልና ዘመልክት እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ከም "ካብ ምዉታት በዅሪ፡" ኣብ ልዕሊ ኩሎም ብድሕሪኡ ዝትንስኡ ልዑል እዩ።

  • ሐ. ተስፋ ትንሳኤ – ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ፡ ኣመንቲ’ውን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝትንስኡ ውሕስነት ይህብ (1ቆሮ 15፡20–23)። ስለዚ "ካብ ምዉታት በዅሪ" ክብሃል ከሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወትን፡ እቲ ልዑል ስልጣኑን ምኡ ኸኣ፡ ንሰዓብቱ ተስፋ ትንሳኤን የጉልሕ።

 4. ዮሃንስ ኣፈወርቅ ከም ዝብሎ፡ ሓጢኣት ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ምፍልላይ ከም ዝፈጠረን፡ ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ብዘይምሃቦም ኣብ ሞንጐ ሰባትን መላእኽትን ጽልኢ ከም ዚነበረን ይገልጽ። ኣብ ቈሎሴ 1፡20 "ሰማይ" ነቶም ልክዕ ከም ኣምላኾም፡ ካብ ሰባት ዝተፈልዩ መላእኽቲ የመልክት (ቈሎሴ 1፡21)። ብክርስቶስ ኣቢሉ ሰማይ ምስ ደቂ ሰባት ተዓሪቑ ማለት ሰላም ተመሊሱ። መርኣዪ ናይዚ መላእኽቲ፡ ብልደት ጐይታ ተሓጒሶም (ሉቃ 2፡13-14)፡ ንወንጌል ንምርዳእ ድማ ይህንጠዩ እዮም (1ጴጥ 1፡12)። ሕጂ፡ መላእኽቲ ከም ብሓድሽ ኣብ ምድሪ ይቐርቡ እሞ፡ ነዚ እተመልሰ ስኒት እዚ ዘንጸባርቑ እዮም።

5. - ኣብ እምነት ድልዱል መሰረት ምህላው

  • ሀ. ኣመንቲ ኣብ እዋን ፈተና ጸኒዖም ኪነብሩ ይሕግዞም (ማቴ 7፡24-27)።

  • ለ. ብጥርጣረ፡ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ፡ ወይ ብጸገማት ዘይነቓነቑ ይገብሮም (ኤፌሶን 4፡14)።

  • ሐ. ኣመንቲ ክርስትያናዊ ክብርታቶምን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለዎም ተስፋን ከይለቁ ይሕግዞም፡ (ቈሎሴ 1፡23)

  • መ. ከምቲ ዓሚቝ ሱር ዘለዎ ገረብ፡ ድልዱል ሱር ዘለዎ ኣማኒ ብመንፈስ ይዓቢ: ጽቡቕ ፍረ ድማ ይፈሪ (መዝሙር ዳዊት 1፡3፤ ቈሎሴ 2፡ 6-7)።

  • ሰ. ኣብ እምነት ድልዱል መሰረት ምህላው፡ ናብ ንእግዚኣብሔር ዘሐጉስ ህይወት ይመርሕ::

 ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

  1. ልዕልናን ምልኣትን ክርስቶስ፥ ብሓጺሩ ንምግላጽ፥ ክርስቶስ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ እዩ። ንሱ፡ እቲ ሰብ ኰይኑ ዝተራእየ ኣምላኽ እዩ። ንባህርን ስልጣንን ኣምላኽ ብምሉእነት ከም ዝገልጽ ንርዳእ። ብልዕልናኡ ድማ በዅሪ ኩሉ ፍጥረት እዩ። ማለት ንዅሉ ፍጥረት ልዕሊኡ እዩ፥ ንክርስቶስ ክወዳደሮ ዝኽእል ፍጥረት የለን።

  2. ክርስቶስ ምስ ፍጡራቱ ዘሎዎ ዝምድና ናይ ፈጣርን ፍጡርን እዩ፥ ክርስቶስ ፈጣሪ ኩሉ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት እዩ፡ (ቈሎሴ 1፡16)። ኩሉ ፍጥረት ብክርስቶስን ንክርስቶስን ተፈጥረ፥ ብእኡ ድማ ቈይሙ ኣሎ። ክርስቶስ ንፍጡራቱ ካብ ዝወደቕሉ ብደሙ ኣድሒንዎም እዩ (ቈሎሴ 1፡17,22-23)።

  3. ክርስቶስ ካብ ምውታት በዅሪ እዩ፥ ኪብሃል ከሎ (ቈሎሴ 1፡18፡ ራእይ 1፡5) ደጊሙ ዘይመውት፥ ብዝኸበረ ሰማያውን፥ ዘልኣለማውን ስጋ ሒዙ ዝተንስኤ ቀዳማይ፡ ንሞት ዝስዓረ፥ ጀማሪ ሓድሽ ፍጥረት፥ ርእሲ ቤተ ክርስትያን፥ ንኣመንቲ ናይ ትንሳኤ ውሕስነት ዝህብን ምንጪ ትንሳኤን ምዃኑ ይሕብር፡ (ዮሃ 11፥25-26, 1ቈረ 15፡20-23)። ከምቲ “ቦኽሪ” ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዝተወልድሉ ግዜ ጥራሕ ዘይኰነስ ንመዓርግን ስልጣንን፥ ከምኡ’ውን ኣምላኽ ዝገብረሎም ሓለፋን ዘመልክት (መዝሙር 89፡27፡ ዘጸ 4፡22፥ ኤርምያስ 31፥9)፡ ንዓወትን ልዕልናን ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት፥ ከምኡ’ውን ንምፍጻም መደብ ኣምላኽ ዘለዎ ተራ ዘጉልሕ እዩ። በዅሪ ምዃኑ፥ ንስልጣኑን ሓይሉን እምበር፡ ብግዜ ቀዳማይ ዝተንስኤ ንምባል ጥራሕ ዝገልጽ ኣይኮነን።

  4. ኣብ ሰማያት ዘሎ ዝብል፡ ዕርቂ ንመላእኽቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ምስጓግ ኣዳምን ሄዋንን ኦም ህይወት ዝሕልው፥ ኣብ ምድሓንና ድማ ምውላድ ክርስቶስ ዘበስሩን፥ ብንስሓ ሓደ ሓጥእ ሰብ: ዝሕጐሱን ስለ ዝዀኑ (ዘፍ 3፥24, ሉቃስ 2፥10-14, 15፥7,10)። ኪንዮ መላእኽቲ’ውን ኣብ ሰማያት ዝብል; ንዅሉ ኣብ ሰማይ ዘሎ ፍጡር ይገልጽ። ደም ክርስቶስ፡ ካብ ሰይጣንን መላእኽቱን ናጻ ዝዀነት ሰማይትን ምድርን ጌሩ፡ ንዅሉ ምስ ኣምላኽ ምትዕራቑ ይገልጽ። ኩሉ ፍጥረት ካብ ምስቁርቃርን ቅልውላውን ብክርስቶስ ናጻ ከም ዝወጽእ ዘረድእ እዩ፡ (ሮሜ 8፡19-22, ቈሎሴ 2፡15, ራእይ 12፡7-10፣ እብ 2፡14-16, 2 ጴጥ 3፥13)።

  5. ብወንጌል ኣብ እምነትካ ተሰሪትካ፥ ደልዲልካ፥ ጸኒዕካ ምንባር፥ ብክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣበርን ነቐፋን ዘይብሉ ቅዱስ ኴንካ ክትቀርብ ዘኽእለካ፥ ኣብ ክርስትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ለባም ሰብኣይ ብምዃን፥ ብፈተናታትን ብድሆታትን፥ ናይ ሓሶት ትምህርትን ከይተነቓነቕካ ብእምነትን ተስፋን ክሳዕ ፍጻሜ ንምብጻሕ ይሕግዘካ። (ቈሎ 1፡22-23, ማቴ 24፥13, 7፥24-27, እብ 10፥23, 12፥1)

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

  1. ልዕልናን ምልኣትን ክርስቶስ ብሕጽር ዝበለ ብኸምዚ ዝስዕብ ንገልጾ። ክርስቶስ ምስሊ'ቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ (ቈሎ 1፥15)፥ ማዕረ እግዚኣብሄር ኣብን፡ መንፈስ ቅዱስን፥ ዝዀነ እንኮ ናይ ባህሪ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ። ነቲ ካብ ክብሩ ዝተላዕለ ዘይርኣ እግዚኣብሔር፥  ብስጋ ዝገለጾ’ውን ንሱ እዩ (ዘጽ 33፡20፡ 1ይ ጢሞ 6፡16 ዮሃ 14፥9)።  ከምቲ ኣብ ቈሎ 1፥19  “ብዘሎ ምልኣት አብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ አሎ” ዝብሎ፥ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ። (ኢሳ 9፡6 ዕብ 1፥1-3 ዮሃ 1፥1-3 ሮሜ 9፡5 1ይ ዮሃ 1፡1-3):: በዅሪ ኵሉ ፍጥረት ማለት ልዕሊ ኩሉ ስለ ዝኮነ፥ ቅድሚ ኩሉ ፍጥረት ምጅማሩ; ዘልኣለም ዝነበረ እዩ።( ዮሃ 8፥58 ዘጸ 3፥14)። ክርስቶስ ብግዝኣትን፡ ስልጣንን ክብርን ዝወዳደሮ ዘየለ ፈጣሪ እዩ። ኩሉ ውን ንገዛእ ርእሱ ኢሉ እዩ ፈጢርዎ ። (ፍሊ 2፥6 ፥ 2ቆሮ 8፡9፥ ቆሎ 1፥16, ዮሃ1፡3,9-10, ዘፍ 1፥1)::

  2. ክርስቶስ ምስ ፍጥረት ዘለዎ ዝምድና ክንርኢ ከለና፥ ንዅሉ ፍጥረት ባዕሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኰይኑ እዩ ፈጢርዎ። ስለዚ ኵሉ ፍጥረት፡ ፍጡራቱ እዩም። ንሱ ነታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ድማ፡ ርእሳ ኢዩ።  ንቤተ ክርስትያን ኣካሉ ምእንቲ ክገብራ ኢሉ፡ ስጋ ለበሰ። ብምልኣቱ መሊኡ ኸኣ፡ ናብ ክብሩ ኣልዓላ። እዚ ድማ፥ ርእሱ በጃ ብምሃብ፡ ብቓልን ብምሕጻብ ማይን ኣጽርዩ፡ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላ ክብርትን ገይሩ ስለ ዘፍቀራ፡ ብደሙ፡ ኣካሉ ከም ዝገበራ ኢዩ (ኤፌ 5፡23-28)። ምስ ክርስቶስ ዘሎና ዝምድና ብዘይብተኽ ማእሰር ጸኒዑ ኢዩ። ንሱ፡ ርእስና ሰለ ዝዀነ ይሓልየልና ኢዩ። ንሱ ስለ ዝሓዝና ድማ  ኣይንጠፍእን (ዮሃ 10፥28)።

  3. በዂሪ ካብ ምውታት ክበሃል ከሎ፡ ብዘይካ ክርስቶስ ሞይቱ ምብስባስ ስጋ ከይርኣየ፥ ካብ ሞት ዝተንስአ የለን። ክርስቶስ ካብ ምውታን በዂሪ'ዩ ክብለና ከሎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብስልጣኑ ንሞት ስዒሩ ስለ ዝተንስአ ኢዩ፡ (1ቈረ 15፡23,57)።

  4. “ኣብ ሰማይ” ክብል ከሎ፡ ክርስቶስ ምስ ኣቦ ዝዓረቐና’ዩ ዘመልክት፣ እግዚኣብሄር ምስ ገዛእ ርእሱ ክዓርቀና ከሎ ኣብ ክርስቶስ እዩ ኔሩ፡ (1ይ ጢሞ 2:5፡ 2ይ ቈረ 5፡18 -19 )። ምእንት’ዚ ኢዮም መላእኽቲ ሓቢሮም ዝዘመሩ (ሉቃ 2፡10-12  ራእ 5፡10-12)። ኣብ ሮሜ 5:8-11 ዘሎ ቃል ኣምላኽ’ውን ብዛዕባ እዚ ዕርቂ ብንጹር ይገልጸልና።

  5. ብወንጌል ዝተቐበልናዮ ህይወት ኣዝዩ ክቡርን ብሉጽን ኢዩ። ኣምላኽ ምእንቲ ምድሓንና ዝኸፈሎ ዋጋ፥ ህይወት ሓደ ወዱ በጃ ብምሃብ ኢዩ፡ (ዮሃ 3፡16)። ስለዚ ብወንጌል ተሰሪትናን ቈይምናን ክንግለጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብወንጌል ምስ እንጸንዕ ድማ፦

  • ✔ብዙሕ ፍረ ንፈሪ (ዮሃ 15፥5, መዝ 1፡3)፥ 

  • ✔ክርስቶስ ኣባና ይነብር(ገላ 2፡20)

  • ✔ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ንቕበል (2 ጢሞ 4፡8)። 

  • ✔ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይንነቓነቕ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ንኸውን (1ይ ቈረ 15:58)።

ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

  1. ልዕልናን ምልኣትን ክርስቶስ ብሒደት ቃላትሲ ይትረፍ፡ መጻሕፍቲ ኵሉ ዓለም ደሚርካ’ውን ምግላጽ ዝከኣል ኣይኰነን። ብዘሎ ምልኣት መለኮት አብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ ኣሎ እሞ፡ ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን ዝፈጠረ፣ ቅድሚ ዅሉን ብዅሉ ነገርን ቀዳማይ፡ እዚ ማለት ከኣ፡ ኣልፋ ዝዀነ፣ ንሱ ነታ ስጋኡ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን’ውን ርእሳ እዩ።

  2.  ዝምድና ክርስቶስ ምስ ፍጡራቱ ንምግላጽ፥ ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ንሱ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዚ ማለት ከኣ ምንጪ ኵሉ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን ዝፈጠረ ማለት እዩ። ኵሉ ካልእ ፍጥረት፡ “እተፈጥረ” ክኸውን ከሎ፡ ንሱ ግና ፈጣሪ ፍጥረታት እዩ። ኵሉ እቲ እተፈጥረ ዘበለ ድማ፡ ንእኡን ብእኡን እዩ እተፈጥረ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዝርአን ዘይርአን ኵሉ ፍጥረት ንስሙ ዝምብርከኽ፡ ንሱ ዝገዝኦን ዘመሓድሮን ማለት’ዩ። ነታ “በዅሪ ፍጥረት” እትብል ሓሳብ፡ ካብቲ ዓውዲ ኣውጺእና፡ ንበይና እንተርኢናያ፡ ኣብ ስሕተት እታ ንኣርዮስ ዘጋጠመቶ፡ “ክርስቶስ ፍጡር’ዩ” ናብ እትብል ኢና ክንወድቕ። ኣብ ካልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ እቲ “በዅሪ ፍጥረት” ዝብል፡ “ቅድሚ ዅሉ ፍጥረታት ዝነበረ” ብዝብል ተኣሪሙ’ሎ። 

  3. ካብ ምዉታት በዅሪ ክንብል እንተዀይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሞት ዝጠዓመ፡ ኣቤል እዩ። ክርስቶስ ግና፡ ኣብ ዓውዲ እቲ ጽሑፍ ከም እንርድኦ፡ ካብ ምውታት ብምትንሳኡ እዩ በዅሪ፡ ማለት ጀማሪ ክብሃል ይግብኦ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ “ካብ ምዉታት ብምትንሳእ’ውን በዅሪ እዩ” ብዝብል ተኣሪሙ’ሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙውታን ኣመልኪቱ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፎ፡ “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነፍሲ-ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ፡ (1ቈረ 15.22-23)።

  4. ኣብ ሰማይ ዝብል ዕርቂ ንምርዳእ፥ ንቕድም፡ “ኣብ ሰማያት” ደኣ እምበር፡ “ኣብ ሰማይ” ዝብል ከም ዘይተጻሕፈ ንጠቅስ። “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም” ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ ኸኣ (መዝ 115.16)፡ እቲ ዕርቂ፡ ምስቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣቦና  ከም እተፈጸመ እዩ ዘርእየና ዘሎ። “ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ” ክብል ከሎ፡ ብዛዕባ ዕርቂ ይዛረብ ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ። እቶም ብሰንኪ ሓጢኣት፡ “ህዝብን ኣህዛብን” ተባሂሎም ተፈላልዮም ዝነበሩ ደቂ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ፣ ከምኡ ኸኣ እቶም ብሰንኪ ሓጢኣት፡ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰብን እግዚኣብሄርን፡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ገበረ። በዚ ምኽንያት እዮም እቶም ኣብ ልደት ጐይታና ዝዘመሩ ሰራዊት ሰማይ፡ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡” እናበሉ ንኣምላኽ ዘመስገኑ፡ (ሉቃ 2.13-14)። 

    “ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ” ክብል ከሎ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ምስ ምልኣት መለኮት ከም ዝተዓርቀ እዩ ዘርኢ። ከመዮ ኣብ ቈሮንቶስ ተጽሒፉ ዘሎ፡ “ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡” (2ቈረ 5.19)። ስለዚ እምበኣር፡ ”ኣብ ሰማያት” ክብል ከሎ፡ ምስ ኣምላኽ ማለቱ ምዃኑ ይገልጸልና። 

  5. ኣብ ክርስትና ኣገዳስነት ብወንጌል ምስራትን ምድልዳልን ምጽናዕን ንምግላጽ፥ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ናይዚ ኣገዳስነት ብኸምዚ ዝስዕብ’ዩ ዝገልጾ፦ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘቝመና እዩ ዝገልጽ። ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ማለት ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን ዝረአናዮ፡ ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንንና ክንመላለስ ምኽኣል ማለት’ዩ፣- “ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ክቕድሳ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዝመስል ዘይብላ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ፡ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ” (ኤፌ 5፡25-27)። እምበርኣከስ፡ ከምተን ሓምሽተ ዓያሹ ተባሂለን ዘለዋ ደናግል፡ ንጐይታ እናተጸበያ ክንሰንሲ፡ ግናኸ ኣብ ጢናአን ዘይቲ ዘይነበረን፡ ንሕና’ውን ከይተነቓነቕና፡ ተሰሪትናን ደልዲልናን ክንቀውም፡ ኣብ ክርስትና ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ዕማም ምዃኑ ክንርዳእ የድልየና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

Next
Next

ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ