ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

ዝቐረቡ ሕቶታት 

ብመሰረት መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ ምዕራፍ 1፡1-14 ብዘሎ መሰረት ነዘን ዝስዕባ ሽዱሽተ ሕቶታት መልሱ፡

  1. ስለምንታይ እዩ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ከም ሃዋርያ፥ ንጢሞቴዎስ ከኣ ሓውና ብምባል ዘላለዮ፧

  2. ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈላስዩስ ብዛዕባ ክልተ ነገራት ኣመስጊንዎም። ንሳተን ጥቐሰን።

  3. ወንጌል ከም ኣብ ሰብ ቈላስይስ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም’ውን እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ እዩ ተመስኪሩ ዘሎ፧

  4. ጳውሎስን መገላግልቱን ቅድሚ ዅሉ ንሰብ ቈላስይስ ዝጸለዩሎም፡ እንታይ እዩ ነይሩ? ብዝርዝር ጥቐሶም።

  5. ስለምንታይከ ነዞም ነጥብታት እዚኦም ብቐዳምነት ሰሪዕዎም፧

  6. መንግስቲ ክርስቶስ እንታይ ትመስል፧ ባህርያታ ግለጽ፧

ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ

  1. ጳውሎስ ኣብ ቈላስዩስ 1፡1 ንርእሱ “ሃዋርያ” ኢሉ ይጽውዓ፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብውልቁ ብክርስቶስ ዝተመርጸን፡ ወንጌል ኪሰብኽ ስልጣን ዚተዋህበን ስለ ዝዀነ ኢዩ።  ጢሞቴዎስ ግና “ሓውና” ተባሂሉ ምጽውዑ፡ ብጻዩን መገላግልቱን ደኣ እምበር ሃዋርያ ስለ ዘይነበረ እዩ። እዚ ፍልልይ እዚ ንሃዋርያዊ ስልጣን ጳውሎስ ዘጉልሕ፡ ጢሞቴዎስ ከኣ ኣብ ኣገልግሎቶም ንዘለዎ ኣገዳሲ ተራ ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ።

  2.  ጳውሎስ ንሰብ ቈላስዩስ ስለቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዎም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳን ዘለዎም ፍቕርን ኣመስጊንዎም ኢዩ (ቈሎሴ1፡4)።

  3. ወንጌል ከም ኣብ ሰብ ቈሎሴ ኣብ ኵላ ዓለም እናፈረየን እናዓበየን ይኸይድ ኔሩ። (ቈሎሴ 1፡6) 

  4. ጳውሎስን መገላግልቱን ቅድሚ ዅሉ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸለዩሎም ጸሎት  “ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና። ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡ ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡ “ ዚብል ኢዩ።  

  5. ጳውሎስ ነዞም ነጥብታት እዚኣቶም- መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ንኣምላኽ ዘሐጉስ ህይወትን- ኣብ ናይ መጀመርያ ጸሎቱ ኣብ ቆሎሴ 1፡9-12 ምጥቃሱ፡ መሰረታዊ ቀዳምነታት ስለዝዀኑ ኢዮም። ሰብ ቈሎሴ፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኣጋጢምዎም ስለዝነበረ (ቈሎሴ 2፡8, 16-18)፡ ጳውሎስ ንሓቂ ካብ ጌጋ ንኽፈልዩን ብእምነት ንኽዓብዩን ንኽሕግዞም ቅኑዕ ፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎ ብድሆታትን ናይ ሓሶት ትምህርትን ብእምነት ንኽጸንዑ ድማ ጽንዓትን ትዕግስትን ሓጐስን ክህልዎምን  ብቐዳምነት ብምሃብ ይጽልየሎም።  

  6. ኣብ ቆሎሴ መንግስቲ ኣምላኽ ክርስቶስ ልዑል ዝኾነሉን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዝነግሰሉን መንግስቲ ኰይኑ ተሳኢሉ ኣሎ (ቈሎሴ 1፡13-16) ። ኣመንቲ ብክርስቶስ ብዘለዎም እምነት ናብዛ መንግስቲ ይሰጋገሩ፣ በጃን ይቕሬታን ይረኽቡ (ቈሎሴ 1፡14)።  ኣብ ቈሎሴ 1፡12–13 መንግስቲ ኣምላኽ “ብርሃን” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ (ቈሎሴ 1:12)፣ ኣመንቲ ካብ ጸልማት ድሒኖም ናብ ግዝኣት ክርስቶስ ዝሰጋገሩላን ኢያ። እቲ ኣብኡ ምድሓንን ሕድገት ሓጢኣትን ዘለና ክርስቶስ ልዕል ኢሉ ዝነግሰላ ግዝኣት ኢያ(ቈሎሴ 1፡14–16) 

    ጉጅለ ሰለስተ ዝመለስዎ

1. ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ “ሃዋርያ” ኢሉ ዘላልየሉ ምኽንያት፦

ሀ. ንሰብ ቈሎሴ ናይ ሃዋርያ ተራኡን ስልጣኑን ንምግላጽ።

ለ. ሃዋርያ (ግሪኽ፥ apostolos) ዝልኣኽ ማለት እዩ። ጳውሎስ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ቀጥታ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ንኽሰብኽ ፍሉይ እተመርጸን፥ ዝተላእከን ስለ ዝኾነ (ገላ 1፥1, ግ.ሃ 9፥1-19, 26፥15-18)።

ሐ. ሰብ ቈሎሴ  ንሃዋርያዊ ጻውዒት ጳውሎስ ብምርዳእ፥ መልእኽቱ ካብ ኣምላኽ ምኻኑ ፈሊጦም ኣንጻር ናይ ሓሶት ትምህርቲ ድው ክብሉ ንክሕግዞም (ቈሎሴ 2፥8), 

ንጢሞቴዎስ “ሓውና” ዝበለሉ ምኽንያት፦

ሀ. ጳውሎስ ወንጌል ሰቢኹ ናብ እምነት ዘምጽኦ መንፈሳዊ  ወዱ ስለ ዝኾነ (1 ቈረ 4፥17, 1 ጢሞ 1፥2, 2 ጢሞ 2፥1)

ለ. ብወንጌል መገላግልቱ ስለ ዝዀነ (ፊልጲ 2፥22)

ሐ. ብእምነትን ኣገልግሎትን ዘለዎም ጥቡቕ ምቅርራብ ንምግላጽ።

መ. ኣብ ክርስትና ዘሎ ሓድነትን ትሕትናን ንምግላጽ (ቈሎሴ 3፥11)

ምስጋና ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ

ሀ. ስለቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነትን

ለ. ስለቲ ንዅሎም ቅዱሳን ዝነበሮም ፍቕርን

ንኣምላኽ የመስግን። ምኽንያቱ እምነትን ፍቕርን ናይ ሓቀኛ ክርስትያን ህይወት መለለይ ስለ ዝኾና እዩ። እምነት ንድሕነትን ዝምድና ምስ ኣምላኽን ወሳኒ እዩ (ኤፌ 2፥8 እብ 11፥6)። ፍቕሪ ንክርስቲያን መለለይን ምልክትን እዩ፡ (ዮሃ 13፥34-35), መረጋገጺ መንፈሳዊ ህይወትን እዩ (1ዮሃ 3፥14)። እምነትን ፍቕርን ብሓንሳብ ኰይነን እየን ዝሰርሓ (ገላ 5፥6, 1 ቆረ 13፥2)።

2. ኣብ ቈሎሴ 1፥6 

ሀ. እናፈረየን፥ ፥ ወንጌል መንፈሳዊ ፍረ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ህይወት ሰብ ናይ ምቕያር ሓይሊ ከም ዘለዎ ይገልጽ (ገላ 5፥22-23, ዮሃ 15፥5)

ለ. እናዓበየን፥  ኪንዮ ቈሎሴ ይዝርጋሕ ምንባሩን ከምቲ ጐይታ ኣብ ግ.ሃ 1፥8, ማቴ 24፥14 ክሳብ ወሰን ምድሪ ወንጌል ከም ዝስበኽን፥ ንሃዋርያት ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም ዝበሎምን ምፍጻሙ ንርኢ። እዚ ንሰብ ቈሎሴ ንሓይልን ጽልዋን ወንጌል ተረዲኦም ተስፋ ክገብሩ ይሕግዞም፥ ብኣንጻሩ ንሓሰውቲ መምሃራን ወንጌል ህያውን ይዓቢ ምህላው ተስፋ ዘቁርጾም እዩ።

3. ሀ. ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ኣእምሮን ክምልኡ ፥ ምኽንያቱ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስትውዓል፥ ከም ዕላማ ኣምላኽ ክትነብር የኽእለካ።

ለ. ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍረ ክፈርዩ ፥ ምኽንያቱ ውጽኢት እምነት ሰናይ ግብሪ እዩ፥ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ስለ ዝኾነት፥ (ገላ 5፥22-23, ያቆ 2፥17)

ሐ. ብፍልጠት ኣምላኽ ክዓብዩ ፥ ምኽንያቱ ፍልጠት ኣምላኽ፥ ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ፥ ኣብ እምነትካ ደው ክትብል፥ ንናይ ስሕተት ትምህርቲ ከተለልዮን ይሕግዘካ።

መ. ብኹሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብሉን ንዕኡ ብቑዓትን ኰይኖም ክመላለሱ ፥ ምኽንያቱ ንባህርይ ክርስቶስ ከንጸባርቑን ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከም ብርሃንን ጨውን ኮይኖም ንኣምላኽ ከኽብርዎን።

ሰ. ብዅሉ ሓጐስ፥ ጽንዓት፥ ዓቕሊ፥ ብኽብሪ ኣምላኽ ክብርትዑ ፥ ምኽንያቱ፥ ኣብ ግዜ ፈተነታት ጸኒዖም ደው ክብሉ፥ ብስደት ወይ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተስፋ ከይቈርጹ ንምትብባዕ።

ረ. ንእግዚኣብሄር ኣቦ ስለቲ ብፍቁር ወዱ ሓጢኣትና ዝሓደገልናን ዘድሓነናን  ብሓጐስ ከመስግኑ፥ ምኽንያቱ ምስጋና ኣብ ጸጋ ኣምላኽን ዘልኣለማዊ ተስፋኡን ከም ዘተኵሩ ስለ ዝገብሮም፡ (1 ተሰ 5፥18)

4. መንግስቲ ክርስቶስ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጺኣ፥ ምድሓን ማለት ሕድገት ሓጢኣት ትህብ መንግስቲ እያ።

ባህርያት መንግስቲ ክርስቶስ፥ ዘልኣለማዊት፥ ኣድማሳዊት (ንዝርኤን ዘይርኤን ትገዝእ)፥  መንፈሳዊት፥ ብርሃን፣ ሰላማዊት፥ ብእምነት እትእቶ፡ ብተስፋ እተጽንዕ፡ ብፍቕርን ዕብየትን ሰናይ ግብሪን እትልለ። ኣብኣ ዝነብሩ ብእግዚኣብሔር ደልዲሎም፣ ብእኡ ብትዕግስትን ብጽንዓትን ብሓጐስን ክነብሩ እተኽእሎም፣ ብወንጌል ህይወት እናቐየረት ኣብ መላእ ዓለም እናሰፍሐት እትቕጽል መንግስቲ እያ።

ጉጅለ ኽልተ ዝመለስዎ

ቅዱስ ጳውሎስ ንገዛ ርእሱ ከም ሃዋርያ ምዃኑ ከላሊ ከሎ፡ ሃዋርያነቱ ንምግላጽን ካብ ኣምላኽ ከም ዝተቐበሎን ክነግር ኢዩ። በዚ ኸኣ ኣብ ዝበዝሐ መልእኽቱ፡ ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔ ኢሉ ይጅምር። ንጢሞቴዎስ “ሓውና” ኢሉ ምግላጹ ግን ጢሞቴዎስ ኣብ ኤፈሶን ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ ናታ ኣገልጋሊ እዩ። ኣብ ናይ ውልቁ መልእኽቲ ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ፡ “ወደየ” እናበለ ይገልጾ እዩ፣ “ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል” (2ይ ጢሞቴዎስ 2:1) ጳውሎስ፡ ንጢሞቴዎስ ብወንጌል ዝወለዶ ናይ መንፈስ ኣቦኡ እዩ። ንቈሎሴ ዝሰደዳ መልእኽቱ ግና፡ “ሓውና” ብምባል እዩ ዝገልጾ፡ ዘሎ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሓዊሱ ልዕሊ ማንም እቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሕውነት ስለ ዘሎ እዩ።

 ስለ'ዚ ሃዋርያ ማለት ዕዮኡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ከይዱ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዘስፍሕን ኣብ ዝኾዶ ቤተ ክርስትያን ዝተክልን እዩ።  ጢሞቴዎስ ከኣ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ “ሓውና” ዝበሎ።   

 2. ወንጌል ከም ኣብ ሰብ ቈላስይስ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም’ውን እናፈረየን እናዓበየን ይኸይድ ከም ዝነበረ እዩ ተመስኪሩ፡ (ቈሎሴ 1:6)።

3. ኣብ ሽዱሽተ ከፊልና ክንሪኦ ንኽእል ኢና፦

1.   ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ

2.   መንፈሳዊ ኣእምሮን ጥበብን ክመልኦም

3.   ፍረ ምፍራይ

4.   ብፍልጠት ኣምላኽ ምዕባይ

5.   ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ

6.   ብሓይሉ ክብሩ ክብርትዑ

ቅዱስ ጳውሎስ ነዞም ነጥብታት ብቐዳምነት ምስርዑ፡ ካብቲ ዝነበርዎ ፍልጠት እንዳ ዓበዩ፣ ተራ ምፍላጥ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት፡ ዝያዳ ክህልዎም መታን እዩ፣ ዝጽልየሎም ዘሎ።  

 4. መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብመሰረቱ መጽሓፍ ቅዱስ ክገልጻ ኸሎ ብብርሃን ጌሩ እዩ ዝገልጻ። “ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት) (ዮሃንስ 1፥4)። ስለዚ ብርሃን ማለት ህይወት ኢዩ፡ ኣብቲ ብርሃን ዘለዎ ድማ ኣብኡ ጸልማት የለን፡ ምዕንቃፍ የለን። መገዱ ፍሉጥ መወዳእታኡ’ውን ጽቡቕ ኢዩ፡ ስለዚ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት እትህብ ብርሃን ኢያ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ብክርስቶስ፡ ካብ ግዝኣት ጸልማት [ሰይጣን] ኣውጺኡ፡ ናብ ግዝኣት ብርሃን [መንግስቲ ፍቁር ወዱ] ኣእተወና። “ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና” ቈሎሴ 1፥13። 

 ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ

 1. ቅዱስ ጳውሎስ ንርእሱ ከም “ሃዋርያ” ንጢሞቴዎስ ከኣ ከም “ሓው” ዝጠቐሰሉ ምኽንያት፡ እቲ "ሃዋርያ" ዝብል መጸውዒ፡ ካብ ጐይታ ዝተዋህቦ ደኣ እምበር፡ ካብ ርእሱ ስለ ዘይኮነ እዩ። ንሱ፡ ሃዋርያ ክኸውን ጐይታ ባዕሉ "ሕሩይ ኣቕሓ" ብምባል ንሃናንያ ይነግሮ (ግብ9)። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለው፡ ሃዋርያት ዘማልእዎ መለክዒታት ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ግብ 1፥21-22 ዝበሎ፡ ንጐይታ ብዓይኑ ዝረኣየ፡ ብእዝኑ ብቐጥታ ዝተማህረ፡ ኮታ ኣብ ኩሉ ኣገልግሎት ናይ ጐይታ ዝነበረን ብጐይታ  ዝተመርጸን እዩ "ሃዋርያ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ። ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብጐይታ ምምራጹ፡ ንጐይታ ብምርኣዩ (1ቆሮ፡ 9፥1፣ 15፥8) ትምህርቱ’ውን ካብ ጐይታ ደኣ እምበር ካብ ማንም ከም ዘይተማህረ ንገላትያ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ ይገልጽ'ዩ። ጢሞቴዎስ ከኣ ድሒሩ ብምህሮ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተወልደ ወደ መዝሙር ስለ ዝዀነ፡ "ሓውና" ብምባል ይጠቕሶ። 

2. ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላቶም እምነትን ብመንፈስ ቅዱስ ንኹሎም ኣመንቲ ዘለዎ ፍቕርን።

3. ወንጌል ብኹሉ ወገን ኣብቶም ሰሚዖም ዝተረድእዎ ሰባት ይፈርን ይዝርጋሕን ምንባሩ ቅዱስ ጳውሎስ ይምስክር።

 5. ሀ. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ክወርዶም

ለ. በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኦም

ሐ. ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ ክፈርዩ

መ. ብፍልጠት ኣምላኽ (ንኣምላኽ ብምፍላጥ) ክዓብዩ

ሰ. ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከብሉን፡ ንእኡ ብቑዓት ኴይኖም ክመላለሱን

ረ. ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ ክብርትዑ

ሸ. ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ከመስግኑ።

6. መንግስቲ ክርስቶስ እንታይ ትመስል፧ ባህርያታ ግለጽ፧

  • ተስፋ እተኣርነበላ ቦታ

  • ግደ ርስቲ ቅዱሳን

  • ብርሃን

  • መንግስቲ ፍቁር ወዱ ።       

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

Next
Next

ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ