ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ
ዝቐረቡ ሕቶታት
ድሕረ ባይታ ቈሎሴ እንታይ ይመስል፣ ቈሎሴ ኣበይ ሃገር ትርከብ፧
ጸሓፊ መጽሓፍ ቈሎሴ መን’ዩ፧ ኣበይን መዓስን ከ ተጻሕፈት፧
ዕላማ መጽሓፍ ቈሎሴ እንታይ እዩ፧
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ
ቈሎሴ፡ ኣብ ንእሽቶ ኤስያ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይቲ ለይከስ ተባሂሉ ዚፍለጥ፡ ካብ ኤፌሶን 120 ማይልስ፡ ካብ ሎዲቅያ 11 ማይልስ፡ ካብ ሂራጶሊስ ድማ 15 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ነበረት። ኣብ ኣዝዩ ሃብታም ዚዀነ ከባቢ፡ ኣብቲ ፍርጊያ ዚብሃል ቦታ ትርከብ ከም ዚነበረት፡ ግናኸ ኣብ ዓመተ 100 ቅ.ል.ክ ኣቢሉ፡ ሎዶቅያ ሓያል ተወዳዳሪት ኰይና ምስ ተቐልቀለት፡ ንግዳዊ ተፈላጥነታ ከም ዚጐደለ ይንገር። ከተማ ቈሎሴ፡ ኣብ 17ን 60 ዓ.ም ብምንቅጥቃጥ መሬት ምስ ሎዲቅያን ሄራጶሊስን ድሕሪ ምዕናዋ፡ መሊሳ እኳ እንተተሃንጸት፡ ነቲ ዚቐደመ ተፈላጥነታ ግና፡ መሊሳ ክትረክብ ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ 400 ዓ.ም ኣቢሉ ህላውነታ ሃጠመ።
እታ ብወደ መዝሙር ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረ ኤጳፍራስ ተመስሪታ ክትከውን ከም እትኽእል ዚንገረላ ኣብ ቈሎሴ ዚነበረት ማሕበር፡ (ቈሎሴ 1፡7)፡ ካብ ኣይሁድን ኣህዛብን ናብ ክርስትና ዚመጹ ኣመንቲ ዚሓቘፈት ነበረት።
ጸሓፊ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰይኑ፡ ካብ 60-62 ዓ.ም ኣብ ሮማ ኣብ ማእሰርቲ ከሎ ከም ዝጸሓፋ ይንገር። ቀንዲ ዕላማ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ፡ ልዕልና ከምኡ ኸኣ እኹልነት ክርስቶስ (ክርስቶስ እኹል ምዃኑ) ንምርግጋጽ (ቈሎሴ 1፡15-20)፡ ብተወሳኺ ኸኣ፡ ከም ሕጋውነት (legalism)፡ ሃይማኖታውነት (Mysticism)፡ ምሕሳም ስጋን (Ascetism)፡ ስግደት ንመላእኽትን ዚኣመሰሉ ስሑት ትምህርታትን ፍልስፍናታትን (ምናልባሽውን ፈሊጣውነትን ሄለናውነትን (Gnosticism and Hellenism) (ቈሎሴ 2፡8, 16-23) ንምጥንቃቕን እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ኣብ ክርስቶስ ሱር ኪሰዱን ንወንጌል ዝበቅዕ ህይወት ክነብሩን ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ከድህቡን የተባብዖም (ቈሎሴ 3፡1-17)።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
ቈሎሴ ኣብ ንእሽቶ እስያ (ናይ ሎሚ ቱርኪ) እትርከብ ጥንታዊት ከተማ እያ ነይራ፣ ኣብ ጥቓኣ ሎዲቅያን ሂራፖሊስን ዝብሃላ ከተማታት ስለ ዝነበራ፥ ኣብ ሓደ እዋን፣ ብፍርያት ሱፍን ዓለባን እትፍለጥ ብልጽግቲ ከተማ ነበረት። ኣብ ግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ምስዘን ከተማታት ክትወዳደር ኣይከኣለትን። ብሰንኪ እቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጠማ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዝዓነወት፥ ስነ-ጥንታዊ ቦታ ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ቈሎሴ" ዝብል ስም ካብቲ ኮሎሶስ (Colossos) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ትርጉሙ ድማ "ዓብዪ ወይ ዓብዪ ሓወልቲ" ማለት እዩ። ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ዓበይቲ ኣኻውሕ ከም ዝተሰመየት ዝኣምኑ ገለ ምሁራት ክህልዉ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ምስቲ ብፍሉይ ሕብሪ ዝተቐብአ ፍሉጥ ሱፍ እታ ከተማ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ነዛ መልእኽቲ ዝጸሓፈ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኰይኑ፡ ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያን እዩ ጽሒፍዋ። ኣብታ ኣብ ጐረቤታ እትርከብ ሎዲቅያ’ውን ክትንበብ ከኣ ይላቦ፡ (ቈሎሴ 4፥16)። ጢሞቴዎስ ድማ ተሓጋጋዚኡ ክኸውን ይኽእል እዩ (ቈሎሴ 1፥1)። ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 60-62 ዓ.ም.ፈ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ (ቈሎሴ 4፥3,10,18፥ ግ.ሃ 28፥16,30-31) ኣብ ዝነበረሉ ኰይኑ ከም ዝጽሓፋ ይፍለጥ። መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ፡ ምስ መልእኽቲ ናብ ፊልሞን ብሓንሳብ ከም ዝተጻሓፈት፡ ካብቶም ኣብጻሕቲ ትኪቆስን ኦኒስሞስን (ቈሎሴ 4፥7-9, ፊልሞን 1፥10-12) ክንርዳእ ንኽእል።
ቤተ ክርስቲያን ቈሎሴ ጳውሎስ ባዕሉ ዘይኰነስ፡ ኤጳፍራስ ብዝተባህለ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ እያ ተመስሪታ፡ (ቈሎሴ 1፥7-8, 4፥12-13)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኣካል ከም ዘይርኣዮም ከኣ ኣብ ቈሎሴ 2፥1 ይገልጽ።
መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝተጻሕፈሉ ምኽንያትን ቀንዲ ትሕዝቶኡን
ኤጳፍራስ ንጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሖ ብምኻድ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረ ናይ ሓሶት ትምህርቲ፥ ንወንጌል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ኣይሁድ ሕጊ ንምሕላው፥ ግሪኻዊ ፍልስፍና፥ ምስጢር ምግላጽ ከም ዘድሊ፥ ካልእ ምስ ኣምልኾ ኣማልኽቲ ዝተኣሳሰር ልምድታትን፥ ንማሕበር ቈሎሴ ካብ እምነቶም ንምዝባል ተጻብኦታት ከም ዝኾኖም ሓበሮ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እምብኣር፡ ነዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንምእራም፥ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዘድልዮምን፥ ንሱ ምልኣት ኣምላኽን ምንጪ ድሕነትን መሰረት ናይቲ ዝተለወጠ ህይወትን ምዃኑ፥ ኣመንቲ ብፍቕርን ማዕርነትን ክርስቶስ ዝተቐርጸ ሓድሽ ሰብ ኮይኖም፥ ካብ ሓጢኣትን ድሑር ባህላዊ ልምድታትን ነጻ ኰይኖም ክነብሩ፥ ብወንጌል ንምድሓን ተወሳኺ ሃይማኖታዊ ልምድታት ወይ ምግላጽ ምስጢራት ከም ዘየድልዮም ንምምሃር እዩ ጽሒፍዋ።
ገለ ካብቲ ቀንዲ ሓሳባት ናይዛ መልእኽቲ
✔ክርስቶስ ልዕሊ ኩሉ እዩ፥ ንሱ መልክዕ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት፥ ዚርኤን ዘይርኤን ብእኡ ንእኡን ዝፈጠረን ንዅሉ ዘቘመን፥ ነታ ስጋኡ (ንማሕበር) ርእሲ፥ ካብ ምውታን ብምትንሳእ ድማ ቦኽሪ ምዃኑ ገለጸ፡ (ቈሎሴ 1፡15-18)። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንምድሓን ካልእ ተወሳኺ ከም ዘየድልዮም ይሕብር።
✔ከምቲ ንክርስቶስ መለኮት ብምልኣት ኣብ ስጋኡ ዝሓደሮ፥ ንስኻትኩም’ውን ብክርስቶስ ተመሊእኩም አሎኹም፡ (ቈሎሴ 2፡9-10)።
✔ኩሉ ብክርስቶስ ማዕረ ምዃኑን ኣብ ኣካል ክርስቶስ ማሕበራዊ ፍልልያት (ባርያ፡ ሓራ፡ ኣይሁዳዊ፡ ኣህዛብ፡ ተባዕታይ፡ ኣንስተይቲ) ከም ዘየልቦ ይነግር። ነቲ ኣብ ግዜ ግዝኣት ሮማ ዝነበረ ዝምድና ናይ ሓንቲ ስድራ፥ ማለት ንሰብኣይ ከም ገባርን ሓዳግን: ወይ መላኺ ዝኾነ ኣካይዳ፥ ሱር በተኻዊ ለውጢ ብምምጻእ፥ ክርስቶስ ጐይታ ዅሉ ብምዃኑ፥ ኣምልኾ ንጐይታ ኣብ ውሽጢ ስድራ ብዝንጸባረቕ ፍቕራዊ ህይወት ምዃኑ ይምህር። ጳውሎስ ንፊልሞን፥ ነቲ ካብኡ ዝሃደመ ኦነሲሞስ ከም ባርያ ዘይኰነስ ከም ሓደ ካብኦምን ብክርስቶስ ሓዎምን ጌሮም ኺቕበልዎ ይምሕጸኖም (ቈሎሴ 4፥9, ፊልሞን 1፥16)። ብሕጊ ሮማ፡ ማእሰርቲ ዝግብኦ ዝነበረ፥ ብክርስቶስ እሙንን፥ ፍቁር ሓውን ኮይኑ፥ ወንጌል ንዝምድናታት ብኸመይ ከም ዝቕይሮ ንርኢ።
ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ
ቈሎሴ ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ እቲ ላይከስ (LYCIS) ተባሂሉ ዚፍለጥ ንእሽቶ እስያ፡ ካብ ኤፌሶን 120 ማይልስ፣ ካብ ሎዲቅያ 11 ማይልስ፤ ካብ ሂራጶሊስን 15 ማይልስ ርሒቓ ትርከብ ከተማ እያ ነይራ። ቈሎሴ ኣብ ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ከባቢ ናይ ፍርጊያ ዚበሃል ቦታ ትርከብ ከም ዝነበረት ይሕበር።
መልእኽቲ ቈሎሴ ኣብ ዓመተ 60-63 ዘሎ ግዜ ዝተጻሕፈት ኮይና፡ ጸሓፊኣ ኸኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዃኑ ( ቈሎ 1፥23፡ 4፥3-18)፡ ከምኡ ውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ሮማ ኰይኑ ከም ዝጸሓፎ ንርዳእ፡( ግ.ሃ28)።
ተቐበልቲ እዛ መልእኽቲ፡ ሰብ ቈሎሴ ኮይኖም (ቆሎ 1፥27) ኣብ ሎዶቅያ’ውን ክትንበብ ከም ዘለዋ ይሕብሮም። ብመገዲ ትኪቆስ ተላኢኻ ኣብ ኢዶም ከም ዝበጽሐት ከኣ ኣብ ቈሎ 4፥4-8 ይነግረና።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈሎሴ ብኣካል ከም ዘይበጽሖም፡ ካብ መልእኽቱ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ሰብ ቈሎሴ፡ መጀመርታ ብኤጳፍራስ ኣቢሎም ወንጌል ከም ዝሰምዑን፡ መስራቲ እታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ማሕበር’ውን ኤጳፍራስ ከም ዝኾነን ክንርዳእ ንኽእል፡ (ቆሎ 4፥16, ራእ 3፥14-22)። ኤጳፍራስ፡ ሓደ ካብቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ዘፍረዮም ደቀመዛሙርቲ ምንባሩ ይግመት፡ (ግ.ሃ 19፥9-10)፡ ወንጌል ኣብ ሎዶቅያን፡ ሂራጶሊስን፡ ዘስፋሕፍሐ’ውን ንስሱምዃኑ ይግመት። ድሕሪ ኤጳፍራስ ነዛ ማሕበር ዝጓስያ ዝነበረ ኸኣ ኣርኪጶስ ኢዩ፡ (ቈሎ 4፥17)።
ሓፈሻዊ መልእኽቲ ቈሎሴ
ድሕነት (ህይወት) ብክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ምዃኑ
ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ
ካብ ምህሮ ቁልዕነት እዛ ዓለም ክንጥንቀቅ ከም ዘለና
ናብራ ቅድስና ዜርኢ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ክርስትያን ዝኾነ ስድራ ክስዕቦ ዘለዎ ስርዓት ዝምህር
ቈሎሴ ብጽርኣውያን ተዓብሊላ ከም ዝነበረት ኣብ (ቈሎ 2፥13) ክንምልከት ንኽእል። እዛ ማሕበር፡ ብናይ ሮማውያን፡ ጽርኣውያንን ኣይሁዳውያንን ትምህርቲ፡ ማለት ብሰብኣዊ ፍልስፍና (Judaistic Gnosticism) ከም ዝተለኽፈት ኤጳፍራስ ከኣ ነዚ ስሑት ምህሮ ክምክቶ ስለ ዘይተኻእሎ፡ 1000 ማይልስ ተጓዒዙ ንሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ክረኽቦ ተገደደ።
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነዛ መልእኽቲ ክጽሕፋ ከሎ፡ ንኽልተ ዕላማ እዩ፦
1. ኣንጻር ስሑት ምህሮታት (ሰብኣዊ ፍልስፍና) (2:8)
2. ሰብ ቈሎሴ ኩነታት ጳውሎስ መታን ክፈልጡ (4:7-8)
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
ቤተ ክርስቲያን ቈላስዩስ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣስታት 3 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኤጳፍራስ እተባህለ ሰብ፡ ናብ ኤፌሶን ብምምጻእ ክርስትና ድሕሪ ምቕባሉ፡ ንክርስትና ኣብ ቈላስዩስ ከም ዘስፋሕፍሖ እዩ ዝንገር። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ ሮማ ተኣሲሩሉ ዝነበረ፡ ኣብ ዓመተ 62 ዓም ኣቢሉ፡ ከም ዝጸሓፋ ይግመት። ነቲ ሓበሬታ ካብ ኤጳፍራስ ከም ዝረኸቦ ዝእንፍት ከኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 4.12 "ኤጳፍራስ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ" ዝብል ንነብብ።
ቈላስዩስ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብዛ ሃገረ ቱርኪ እትብሃል ዘላ እትርከብ ኰይና፡ ኣህዛብን ኣይሁድን ከምኡ ኸኣ ምህሮ ኖስቲክ ዝምህሩን ዝስዕቡን፡ ፈሊጣውያን ዝነበርዋ ከተማ ነበረት። ኣብ ምዕራፍ 2፡8 ከም እንነቦ፦ “ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን” ከይማረኹ፡ ንምጥንቃቕ ከም ዝጸሓፋ ኸኣ ክንርዳእ ንኽእል። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ናብ ሰብ ቈሎሴን ሎዶቅያን ብኢድ ቲኮቆስ ለኣኻ።