ፍልሰታ፡ ዶግማ ዶ ኣላታ፧
እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ኣንፊ ብልሒ ዝርከብ እዩ፡ ኣንፊ ብልሒ ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ
”መቓብር ከፊትኩም ሬሳ ኣርእዩኒ” ዝበለ መን’ዩ፧ ግብጺ ኪዱ ኢትዮጵያ፡ ሶርያ ኪዱ ኤርትራ፡ “ሃዋርያ ቶማስ እዩ” ዝብል መልሲ ኢኹም ትረኽቡ። ኣርመን እንተ ኼድኩም ግን፡ በርተሎሜዎስ ኰይኑ ክጸንሓኩም እዩ። ”ዕድመ ቅድስት ድንግል ማርያም ክንደይ ነበረ፧” ብምባል ከኣ ሕተቱ። 64 ዓመት ዝብል መልሲ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ 60 ዓመት ዝብል፡ ኣብ ግብጺ፡ 70 ዓመት ዝብል ድማ፡ ኣብ ሶርያ ክጸንሓኩም እዩ። ብድምጺ ብልጫ እንተ ኾይኑ፡ ንጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ሓዊስካ፡ እቲ 64 ዝብል ዓመት እዩ ዝስዕር።
ባይዛንታዊ ሃጸይ ማውሪተስ፡ ኣብ መላእ ግዝኣተ ምምሕዳሩ፡ 15 ነሓሰ፡ ህዝባዊ በዓል ዝኽሪ ቅድስቲ ድንግል ክኸውን ኣወጀ። እዚ ብ602 ዓም ዝተኣወጀ ዝኽሪ፡ "ዕረፍተ ንዋም ዘጸዋሪተ ኣምላክ" (Koinesis Theotokou) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ቅድስት ማርያም ዝሞተትሉ ዕለት ማለት እዩ። እዚ ዕረፍተ ንዋም እዚ፡ ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ እዩ ዝዝከር። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፡ ቤተ ክርስትያን ሮማ፡ ነዚ ዝክር እዚ ተቐቢላ (Dormitio Beatae Mariae Virginis) እናበለት፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክትዝክሮ ጀመረት።
እቲ “ዕረፍተ ንዋም” ክብሃል ዝጸንሐ፡ “ሞይታ ኣይተረፈትን፡ ዓሪጋ እያ ንምባል” ካልእ ስም ለቢሱ፡ “ፍልሰታ” Assumption ናብ ዝብል ተቐየረ። ብዛዕባ ፍልሰታ፡ እቲ ዝጠንተወ ዝብሃል መወከሲ፡ እቲ ኣብ ዓመተ 451 ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተገብረ፡ ጐናዊ ዝርርብ እዩ፡ ዝብል፡ ኣብ ብዙሕ መወከሲታት፡ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይርከብ።
ሃጸይ መርቅዮንን በዓልቲ ቤቱ ብርክልያን፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ንምስታፍ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ ጳጳስ፡ ንሬሳ ቅድስት ድንግል፡ ናብ ቁስጥንጥንያ ክሰግረሉ ዝኽእል ተኽእሎ እንተሎ ተወከስዎም። እቶም ጳጳስ ዝሃብዎ መልሲ፡ "ማርያም፡ ሃዋርያት ኣብ ዝተረኽቡሉ እያ ሞይታ፡ ቅዱስ ቶማስ፡ መቓብራ ኣርእዩኒ ብምባሉ፡ እቲ መቓብር ምስ ተኸፍተ ግን፡ እቲ ሬሳ ኣብኡ ኣይጸንሐን። ስለዚ ድማ እቶም ሃዋርያት፡ ስጋ ማርያም ንሰማይ ዓሪጉ እዩ ብምባል ደምደሙ" ዝብል ነበረ።
ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ ፍልሰታስ ይትረፍ፡ ብዛዕባ ዕረፍታ’ውን ዝምልከት ኣይተጻሕፈን። ቀዳማይ ሚእቲ ዓመት፡ ካልኣይ ሚእቲ ዓመት፡ ሳልሳይ ሚእቲ ዓመት ሓሊፉ፡ ኣብቶም ሽዑ ዝሓለፉ ውሳነታት’ውን ብዛዕባ ፍልሰታ ዝምልከት ኣይተጻሕፈን። ኣብ 431 ዓመተ ምህረት ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን፡ “ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ጸዋሪተ ኣምላኽ” ዝብል ውሳነ ክሓልፍ ከሎ’ውን እንተዀነ፡ ብዛዕባ ፍልስታ ዝምልከት ግን፡ ዝተዘርበ ነገር ኣይነበረን።
ባሕቲ ሕዳር 1950፡ ካቶሊካዊ ጳጳስ ፒዮስ XII፡ ብሓያሎ ጳጳሳት ተዓጂቦም፡ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ምእመናን፡ ነዚ ዝስዕብ ዶግማ ኣወጁ፦ "ሓጢኣት ኣልቦ ወላዲተ ኣምላክ፡ ወትሩ ድንግል ማርያም፡ ጉዕዞ ምድራዊ ህይወታ ወዲኣ፡ ብስጋን ነፍስን ናብ ሰማያዊ ክብሪ ፈለሰት።" እዚ ኣዋጅ እዚ፡ ዶግማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ተኣወጀ። እቲ ንልዕሊ 1900 ዓመታት፡ ኣፋዊ፡ ሓደው ትውፊታዊ፡ ኰይኑ ዝጸንሐ፥ ኣብ ዓመተ 1950፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ብሓደ ምዕራፍ ዓጸወቶ።
ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግን፡ ኣብቲ ኤርትራ እትርከቦ ኦሬንታል ይኹን፡ ኣብተን ናይ ምብራቕ ዝብሃላ ኣብያተ ክርስትያን’ውን ይኹን፡ ዛጊት፡ ኣፋዊ፡ ትውፊታዊ ደኣ እምበር፡ ከም ዶግማ ኰይኑ ኣይተኣወጀን ዘሎ።