ጉዳይ ኣሸንዳ፡- ኣዋልደየ ኪዳ ዕበዳ!

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መጽሓፍ “ኣንፊ ብልሒ” ዝርከብ’ዩ። ኣንፊ ብልሒ ንምዕዳግ ኣብዚ ጠውቑ

22 ነሓሰ (16 ነሓሰ ብግእዝ)፡ “ፍልሰታ” ጥራይ ዝመስለኩም እንተ ዄንኩም፡ ከም ዝኸማይ፡ ዘንጊዕኩም ጸኒሕኩም ማለት’ዩ። “ኣሸንዳ” ዝብሃል ካልእ ተደራቢ ዝክር ድማ ኣሎዎ! ኣብ ኤርትራ’ኳ እቲ በዓል እናሃሰሰ ከይዱስ፡ ዳርጋ ጠፊኡ’ዩ እንተተባህለ’ውን ዘጋነንክዎ ኣይመስለንን። ሓደው ዊኪ ፔድያ’ውን ከምኡ ብምባል ጽሒፉ’ሎ። 

ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ እንዳ ሚኪኤል ኣብ ዝብሃል ቤተ ክርስትያን ዘገልግሉ፡ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ፡ ንራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዝብልዎ፡ እዚ “ኣሸንዳ” ዝብሃል በዓል፡ ባህላዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃይማኖታዊ ሰረት’ውን ዘሎዎ እዩ።

በዓል ኣሸንዳ፡ ኣዋልድ ዓድና ዝደለያኦ ጸርፊ ጸሪፈን ዘይክሰሳሉ፡ ከበሮ ኣርሲነን ሂር ዝብላሉ፡ ናይ ስዕረት ከይተረፈ ዝዛረባሉን ዝደርፋሉን፡ ዕሙር ቅንያት ጓይላ እዩ። “ኣሸንዳ” ዝብል መጸውዒ፡ ስም ናይቲ ኣብ ሽምጢ ኣዋልድ ዝእሰር፡ ገፊሕ ቈጽሊ ዘለዎ ጨንፈር ምዃኑ፡ ሊቃውንቲ ይሕብሩና። ስለዚ ኣሸንዳ ማለት፡ ባዕሉ እቲ ቈጽሊ እዩ። ኣጀማምራ ናይቲ “ኣሸንዳ” ዝብሃል በዓል ብዝምልከት ግን፡ ውዱእ መልሲ ንምርካብ፡ ኣጸጋሚ ኰይኑ ንረኽቦ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ዘገልግሉ፡ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ እንተ ተወከስክምዎም፡ ንኣጀማምራኡ ብዝምልከት ምስ ፍልሰታ ማርያም፡ ኣተኣሳሲሮም ክጸውዩኹም’ዮም፡-

“ነሓሰ 16 ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ናብ ሰማያዊ መንግስቲ ዝዓረገትሉ ዕለት ብምዃኑ፡ ሽዑ፡ ጻድቃን፡ ሰማእታት፡ ነብያት፡ ሃዋርያት፡ ደናግል፡ ቅዱሳን ኣንስቲ ብዕልልታን መዝሙርን ዓጂቦም ስለ ዘሰነይዋ፡ ነዚ ንምዝካር ከኣ ኣዋልድ ዓድና፡ ዓመታዊ፡ ኣሸንዳ እናበላ ይደርፋ” ብምባል የብርሁ።

ኣብ ኣክሱም-ጽዮን፡ ኣቦ መንበር ሊቃውንቲ ዝዀኑ፡ ንቡረ-ዕድ በላይ መረሳ ከኣ፡ ኣብ ከባቢኦም እቲ ጽምብል፡ “ዓይኒ ዋሪ” ብዝብል ስም ከም ዝፍለጥን፡ ኣብ ክንዲ 16 ነሓሰ ድማ 24 ነሓሰ ብግእዝ ከም ዝበዓልን፡ ይሕብሩ። ኣጀማምራ ኣሸንዳ ብዝምልከት ድማ፡ ከምቲ ሊቀ-ሊቃውንት ያሬድ ካሳ ዝገልለጽዎ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘመነ ብሉይ ዝመጸ ምዃኑ እዮም ንቡረ-ዕድ ዘዘንትዉ።

ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ዝነበረት ጓል ዮሳፋጥ፡ ንሳ ቅድሚ ሞታ፡ ንድንግልናኣ ክልተ ወርሒ ከም ዝበኸየትላ’ሞ፡ ኣዋልድ የሩሳሌም ድማ በብዓመት ይደርፋላ ከም ዝነበራ፡ ጽሑፍ እዩ፡ (መሳ 11.38)። እዚ ናይ ደቂ የሩሳሌም ልምዲ እዚ፡ ምስ ምምጻእ ጽላተ ሙሴ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ብ4518 ዓመት ዓለም (ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ)፡ እቲ ባህሊ’ውን ሓቢሩ ምስኡ ከም ዝኣተወ ድማ ይገልጹ።

ንመኖም ክንኣምን ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ጠልጠል ገዲፍና፡ እቲ ኣከባብራን ኣገባብን ግን፡ ኣብ ክልቲኡ ቦታን እዋንን ሓደ ምዃኑ፡ ክልቲኦም ዝሰማምዕሉ እዩ።

ቅንያት ኣሸንዳ፡ ኣዋልድ ዓዲ፡ ጓይላ ተኺለን ሂር ዝብላሉ በዓል’ዩ፥- ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ። ኣብ ገሊኡ ኸኣ’ሞ ክሳዕ ሳልስቲ ብዝጸንሕ ድሙቕ ጓይላ’ዩ ዝጽምበል። ንጉሆ ከካብ ገዝአን ወጺአን ‘ኽበባየ ኽባባ፡ ከም ሻምባቆ ርበባ..’ እናበላ፡ ብደርፊ ዝተኣኻኸባ ኣዋልድ ዓዲ፡ ኣበይ ጀሚረን፡ ኣበይን ብኸመይን ከም ዝዛዝማ ይዘራረባ። ንቕንያት ኣሸንዳ ዝኸውን መምርሒ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኣካያዲትን፡ ተሓዚት ሕሳብን መሪጸን ከኣ ዕማመን የሰላስላ።

እቲ ምንቅስቓስ፡ ብቤተ ክርስትያን ጀሚሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባይትን ኣብ ኣደባባያትን እዩ ዝቕጽል። ንዝሓልፍ ሰብ ገንዘብ እናለመና ድሕሪ ምውህላል ከኣ፡ እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ፡ ንቤተ ክርስትያን ሓገዝ ክኸውን፡ ሓደው ንጽጉማት ረድኤት ክኸውን፡ ኣብ ገለ መዓላ የውዕላኦ።

ነዛ ጽሕፍቲ እናዳለኹ ከለኹ፡ ንጽሑፈይ ጽቡቕ ክዛዝመለይ ይኽእል’ዩ ዝበልክዎ፡ ሓደ ግሩም ብሂል፡ ኣብ መርበብ ተዋህዶ ዶት ኦርግ ረኺበ’ለኹ። ዲያቆን ዑቕበ ዘመደ፡ ከምዚ ዝስዕብ ክብል፡ ጽሒፉ’ሎ፡- “እዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ፡ ርኳንን ጋብን (ጋቢ) ከይፈላለየ፡ ብሓደ ክደፍእ ዝህቅን፡ ህውኽ ወለዶ እዩ፡ እንተ ተባህለ፡ ዝተጋነነ ኣይመስለንን። እቲ ርኳን ይኵዖ፡ ነቲ ቅጭን ጋቢ፡ ምስቲ ርኳን ከይንደፍኦ ግን ክንጥንቀቕ ይግባእ።”

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ፍልሰታ፡ ዶግማ ዶ ኣላታ፧

Next
Next

ጾመ ፍረታት፡ መጠቓለሊ