ጾመ ፍረታት፡ መጠቓለሊ
ብምኽንያት እቲ 7 ነሓሰ 2023 ዝጀመረን ንኽልተ ሰሙን’ውን ዝቐጸለን ጾመ ፍልሰታ፡ ፍረታት መንፈስ ከነስተንትንን ብእኦም ከኣ ክንጽልን ቀኒና ኣለና። ነቲ ኣስተንትኖን ጸሎትን፡ ኣሰናደውቲ ራድዮ ቫቲካን፡ ብድምጺ እናቐረጹ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ከም ዝከታተሎ ምግባሮም፡ ልባዊ ምስጋና እናቕረብኩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንኣገልግሎቶም ኣዕዚዙ ክባርኽ እጽሊ። ኣለዓዒሉ ዘጀመረና ኣምላኽ፡ ክንዛዝም ድማ ኣብቂዑና’ዩ’ሞ፡ ስብሓት ንኣቦን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ይኹን!
ፍረ መንፈስ ዘይርኣየሉ ክርስትና፡ ክርስትና፡ ክርስትና ኰይኑ ክርኣየና ከም ዘይግባእ፡ ኣስሚርናሉ’ለና። ነቲ ዘርኢ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን እንተበልዓኦ፥ ሓደው፡ ኣብ ከውሒ ተዘሪኡ ክፈሪ እንተዘይከኣለ፥ ወይ’ውን ጻህያይ በርቲዕዎ ፍረ እንተዘይረኸበ፡ እቲ ሓረስታይ ተዘምተ፡ እቲ ፍረ’ውን ጸነተ! እቲ፡ ንመዓልቲ ምድሓን ዝኸውን ዕርቡን መንፈስ ዝተቐበለ ክርስቲያን ከኣ፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ከብቅዕ፡ ፍረ መንፈስ እንተዘይፈረየ፡ እንታይ ክብሃል ይከኣል፧!
”ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ” ቢሉ መሰለ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደለኹ፡ ሰለስተ ዓመት መጺአ፡ ኣይረኸብኩላን። ቍረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧ በሎ፡” ብምባል ድማ የዘንቱ፡ (ሉቃ 13.6-9)።
ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ከኣ፡ ብቤተ እስራኤል ዝተመሰለ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ኣብ ፍርያም ኲርባ፡ ኩሉ ዘድሊ ተጌሩሉ፡ ዘቢብ ኬፍሪ እናተገብኦስ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ብምፍራዩ፡ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ከውርድ ከሎ ንርኢ። ”ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ” ድማ ይብል፡ (ኢሳ5.1-6)።
እግዚኣብሄር ንፍረ ክሳዕ ክንድዚ ከም ዝግደስ ካብ ጠቐስና፡ እቲ ”ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ዝብል ምኽሪ ጐይታና፡ ነቶም ሓሰውቲ መምህራንን ሓሰውቲ ነብያትን ጥራይ ከም ዚምልከት ጌርና ክንወስዶ ኣይግባእን። ”ጽቡቕ ኦም፡ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ፡ ክፉእ ፍረ ይፈሪ” ብምባል’ዩ ምሂሩና ዘሎ፡ (ማቴ7.17)።
ጽቡቕ ፍረ
”ጽቡቕ ፍረ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እዞም በብሓደ ከነስተንትኖም ዝቐነና ፍረታት መንፈስ ኰይኖም፡ ንሳቶም ከኣ፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዮም።
ኽፉእ ፍረ
እቲ ”ኽፉእ” ተባሂሉ ዘሎ ድማ፦ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምላኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእ’ውን እዩ።
ኣብ ምንዝርናን ርኽሰትን፡ ኣብ ዕብዳንን ኣምልኾ ጣኦትን ከምኡ’ውን ኣብ ጥንቈላ ዝተኣልከ ህይወት፡ ዘሰምብደና እንተዀይኑ፡ ኣብ ጽልእን ባእስን፡ ኣብ ቅንእን ቍጥዓን፡ ኣብ ሻራን ምፍልላይን፡ ኣብ ዝርግርግን ቅንኣትን፡ ኣብ ቅትለትን ስኽራንን፡ ኣብ ጓይላን ከምዚ ኣብ ዘመሰለ ኻልእ ምስታፍ’ውን ማዕሪኡ ከሰምብደና ይግባእ’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ እዚ ዳሕረዋይ’ውን፡ ካብቲ ”ኽፉእ” ተባሂሉ ዘሎ ፍረ ስለ ዝዀነ።
መልእኽቲ ጐይታና
”ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም፡ ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ” በለ ጐይታና፡ (ማቴ7. 19)። እቲ ምቝራጽ ቅልጥፍ ኢሉ ስለ ዘይመጸ ጥራይ፡ ይተርፍ’ዩ ማለት ከስምዕ ኣይግብኦን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብሳህሊ ምሉእ፡ ንኹራ ኸኣ ደንጓዪ ብምዃኑ ጥራይ ግና፡ ዕድመ ንንስሓ ሂቡና’ሎ።
”በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ ብስምካ እተነቤና ዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካ ዶ ኣይወጻእናን፧ ብስምካስ፡ ብዙሕ ሓይሊ ዶ ኣይገበርናን ክብሉኒ እዮም” ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ ኣሎ፡ (ማቴ 7.22)። እዞም ”ብዙሓት” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ካብቲ ኣብ 1ቈረ 12 ተዘርዚሩ ዘሎ ውህበት መንፈስ ቅዱስ፡ ዝተቐበሉ ምዃኖም ዘጠራጥር የብሉን። ፍረ መንፈስ ስለ ዘይተረኽቦም ግና፡ ”ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ” ብዝብል ተባረሩ። ”ጐይታይ፡ ጐይታይ ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን” በለ ጐይታ፡ ነቲ መልእኽቲ ከትረሮ ከሎ።
ነዋ ወንጌለ መንግስት
ንኹሉ ሕጊ ኣምላኽ፡ ብዘይ ኣበርን ጉድለትን ዝፈጸመ ሰብ የልቦን እሞ፡ የውጣ’ኳ ትኹን፡ ከየትረፍኩ ንኹሉ ክፍጽሞ’የ እንተበልና፡ ክንጋገ ኢና። እቲ ብዘይካ ብሓጢኣት ብኹሉ ከምዚ ኸማና ሰብ ኰይኑ ዝተወልደ ጐይታና ኢየሱስ ግና፡ ንብዘሎ ነብያትን ኦሪትን ፈጺሙ፡ ደገ ምድሓን ኣርሓወልና። ኣብቶም ንጐይታና ኢየሱስ ክንስዕብ ዝወሰንና ዘበልና እምበኣር፡ መሰል ውልድነት ስለ ዝተዋህበና፡ እቲ ሕጊ ኣብ ጽላት ዘይኰነ ኣብ ልብና ምእንቲ ክሓድር፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ፈሰሰ። ”በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ” በለ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ” (ሮሜ5፡5)።
ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ
እዛ ኣብ ልብና ዝፈሰሰት ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ንኹለን እተን በብሓደ ክንርአየን ዝቐነና ፍረታት መንፈስ፡ ሕቝፍ ጥምር ኣቢላ ዝሓዘት እያ። ኣብ 1ቈረ 13 ከም እንርእዮ፡ ፍቕሪ፡-
· ኣብ ፍቕዲ 6- ”ብሓቂ ትሕጐስ” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ሓጐስ” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
· ኣብ ፍቕዲ 5- ”ኣይትቕየምን’ያ” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ዕርቂ” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
· ኣብ ፍቕዲ 4 – ”ዓቃል’ያ” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ዓቕሊ” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
· ኣብ ፍቕዲ 4- ”ለዋህ’ያ” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ለውሃት” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ
· ኣብ ፍቕዲ 6 ”ብዓመጽ ባህ ኣይብላን” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ሕያውነት” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
· ኣብ ፍቕዲ 7 ”ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”እምነት” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
· ኣብ ፍቕዲ 7- ”ኵሉ ትዕገስ” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ህድኣት” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
· ኣብ ፍቕዲ 5 – ”ናታ ኣይትደልን” ተባሂላ’ላ። ስለዚ ኸኣ እቲ ”ይኣኽለኒ ምባል” ዝብል ፍረ ተጠቓለለ፡
ስለዚ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነታ ምዕራፍ ክዛዝማ ከሎ፡ “ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ” ዝበለ፡ (1ቈረ13.13)። ፍቕሪ፡ ንኹሉ ዝሓዘትን ዝሓቘፈትን እያ። ስለዚ ድማ’ዩ ንሰብ ቈሎሴ፡ ክጽሕፈሎም ከሎ፡ “ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ” ዝብሎም፡ (ቈሎ3.14)።
ዚንበብ፡ ማቴ 7
ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ፡ ”ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ግበሩሎም” ዝብል’ዩ.።
ጸሎት
ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብዘን መዓልታት ጾም፡ ጀሚርና ክንውድእ ስለ ዝረዳእካና ተመስገን። ”ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢልካና ኣለኻ’ሞ፡ ”እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር፡ ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ድማ፡ እታ ንሓድሕድና ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ከይህልወኒ ክትረድኣኒ፡ ብስም ወድኻ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እጽሊ ኣለኹ። ኣነን መላእ ቤተ ክርስቲያንን፡ ብዙሕ ፍረ ክንፈሪ ደኣ እምበር፡ ፍረ ኣልቦ ኴንና ከይንርከብ፡ ሓደው፡ መጺጽ ፍረ ከይንፈሪ ርድኣና፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፡ ወለዓለመ ዓለም ኣሜን!