ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ልበይን ገጽካን

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። “ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱ’ውን ንምምርማርሲ፡ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ” (መዝ27.5)።

ውቃበ ተባሂሉ ዘሎ፡ ማራኽን ፈቃርን ዝዀነ ጽባቐ ማለት’ዩ። እዚ ዘማሪ’ዚ ንእግዚኣብሄር ዝገልጸሉ ቃላት ኣዝዩ ዘገርም እዩ። እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፡ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፡ ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ፡ ወዘተ እናበለ ድማ’ዩ ዘስተንትን። እቲ ዘማሪ፡ ነታ መዝሙር ክዓጽዋ ከሎ፡ ”ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር” ምባሉ፡ ንባዕሉ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎዎ ቅርበት፡ ኣጕሊሑ የርእየና። ኪቃወመኒ ኢሉ’ኳ ሰራዊት እንተዚሰፍር፡ ልበይ ኣይፈርህን እዩ፡ ኵናት’ውን እንተዝልዓለኒ፡ እምነት አሎኒ ብምባል ድማ ትውክልቱ ምሉእ ምዃኑ የረጋግጽ።

እቲ ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ፡ ማራን ኣታ! ናፍቖትና፡ ምጽብባይና ግና ከመይ ኮን ይህሉ፧!

ዝንበብ ክፍሊ:-

መዝሙር 27

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይ። ልበይ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ፡ ንገጸይ ድለዮ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፡ ንባርያኻ ብቝጥዓ ኣይትደርብዮ፡ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፡ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይ ኣይትጠንጥነኒ፡ ኣይትሕደገኒ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 11 መዓልቲ፡ ባህ ዜብላ ማሕደራት

Next
Next

ታሽዐይቲ መዓልቲ፡ ንምንታይ ትህውኽኒ ኣለኺ፧