ታሽዐይቲ መዓልቲ፡ ንምንታይ ትህውኽኒ ኣለኺ፧
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። “ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ ትጸምእ ኣላ፡ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧” (መዝ42፡2)። ክንድዚ ዝዕመቈቱ ናፍቖት ዝመልአት ነፍሲ ክንሳስ፡ ግናኸ ካብ ጓህን ህውከትን ከኣ ዘይዓረፈት ኰይና ንርእያ።
እቲ ዘማሪ፡ ለውሃት እግዚኣብሄር ብመዓልቲ፡ መዝሙሩ ድማ ብለይቲ የስተንትን። ብሓደ መዳይ፡ ”ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” እናበሉ ብዘጨንቕዎ፡ በቲ ሓደ መዳይ ድማ ሓደ እዋን ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይዱ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ ይመርሖም ከም ዝነበረ እናሓሰበ ድማ ቍዘማዊ ዜማ የዝይም። ኣብዛ መዝሙር እዚኣ፡ ክልተ ጊዜ ”ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ” ብምባል፡ ባዕሉ ንባዕሉ ክገንሕ ከሎ ንርእዮ፡ (መዝ42.5)።
እዚ ዘማሪ’ዚ፡ ንእግዚኣብሄር ዘሎዎ ክቱር ናፍቖት፡ ከምቲ እራብ ንዓይኒ ማይ እትናፍቖ ብዝዓይነቱ ጌሩ ይምስሎ’ሞ፡ ነፍሱ ነቲ ህያው ኣምላኽ ከም እትጸምእ ከኣ ይገልጽ። እቲ ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ፡ ማራን ኣታ! ናፍቖትና፡ ምጽብባይና ግና ከመይ ኮን ይህሉ፧!
ዝንበብ ክፍሊ:-
መዝሙር 42
ንጸሊ፦
ዎ ጐይታይ፡ ለውሃትካ ብመዓልቲ፡ መዝሙርካ ድማ ብለይቲ፡ ኵሉ ጊዜ ንዓኻ ዝጸምእ ህይወት ክትህበኒ እጽሊ ኣለኹ። ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሓዘንኩ ከይከይድ እሞ ውሽጠይ ጓሂ ከይመልእሲ ንባርያኻ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። እወ ጐይታየ፡ ካብ ጸጋ ከይወድቕ እሞ፡ ቤት ኣቦይ ሓዲገ ንጸጋኻ ብኸንቱ ከይዘርዎ ርድኣኒ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!