ግሪኽ ኦርቶዶክስ፡ ንቐሺ ዮሴፍ መርሃጽዮን፡ ማህደረ ትምህርቲ ሂባ

ሊቀ-ጳጳስ ዘኣኵሱም ብጹዕ ኣቡነ ዳንኤልን መንበረ ኣዅሱም ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን፡ ሎሚ 05 መስከረም 2023 ኣብ ዝዘርግሕዎ ዜና፡ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ነቶም ኣብ ግሪኽ ወኪል ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝዀኑ፡ ቀሺ ዮሴፍ መርሃጽዮን ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ዝምልከት ማህደረ ትምህርቲ ከም ዝተዋህቡ ገሊጾም። መንበረ ኣዅሱም ንቕዱስ ሲኖዶስ ግሪኽ፡ ንብጹዕ ኢዮረኒሞስ ሊቀ-ጳጳስ ዘኣቴንስን ንኮሚተ ምዕዳል ስኮላርሺፕ ከምስግን ከሎ፡ ንቐሺ ዮሴፍ መርሃጽዮን ድማ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ጊዜ ተመንዮም ኣለዉ።

ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ግሪኽ፡ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2023-24 ንማህደረ ትምህርቲ ዝውዕል፡ ኣስታት 460,000 ኤውሮ ምምባዳባን፡ እዚ ን150 ተማሃሮ ናይማህደረ ትምህርቲ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ከሎ፡ 105 ካብዚ ንግሪኻውያን፡ 45 ድማ ንወጻእተኛታት ተማሃሮ ዝተመደበ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቅዱስ ያሬድ፡ መሠረተ ዜማ ወጢኑ ድዩ፡ ወይስ ኣማእዚኑ፧

Next
Next

10ይ ዙር፡ ምዝገባ ትምህርቲ ድሕነት